ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ጉባ ዝርከብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

ኣብ ዑደቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ካብ መካየዲ ስራሕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ መብርሂ ከምዝተውሃቦም ካብ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ማይ ተርባይን ወቒዑ ናብ ተፈጥሮኣዊ ፍሰቱ ከምዝምለስን ኣብ ተፋሰስቲ ሃገራት ሩባ ኣባይ ዘምፀኦ ዝኾነ ይኹን ፀገም ከምዘየለ ምዕዛቦም እቶም ወታደራዊ ኣታሼታት ገሊፆም።

ልዕሊ 97 ሚኢታዊ ዝተዛዘመ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ብልዑል ሕፅረት ቀረብ ሓይሊ ትፍለጥ ኣፍሪካ ልምዓት ከምዘቀላጥፍ ኢሉ እውን ኣህጉራዊ ምትእስሳር ቁጠባዊ ሃፍቲ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝፃወት ኣብቲ እዋን ዑደት ተሓቢሩ፡፡

እቲ ዑደት ዘሰናደኦ ዋና ዳይሬክቶሬት ርክብ ወፃኢን ወታደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ምክልኻል እንትኸውን÷ ወታደራዊ ኣታሼታት ናብ 60 ዝፅግዓ ሃገራት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተሳቲፎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment