ወጋገን ባንኪ ኣብ ሽረ ዲስትሪክት ተወሳኺ ቅርንጫፋት ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወጋገን ባንኪ ኣብ ሽረ ዲስትሪክት ተወሳኺ ቅርንጫፋት ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ወጋገን ባንኪ ብምኽኒያት ጎንፂ ኣገልግሎት ተቛሪፁዎም ዝፀንሑ ኣብ ትሕቲ ሽረ ዲስትሪክት ዘርከቡ፥ ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ዕዳጋ ኣክሱም፣ ሶሎዳ፣ ዓዲ ኣቡን፣ ዓዲ ማሕለኻ፣ ካሌብ፣ ንግስተ ሳባን ሮምሃይን ቅርንጫፋት ኣገልግሎት ምምሃብ ምጅማሩ ኢዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ምስተጠዓዓሙ ዝተረፉ ቅርንጫፋት ዳግም ንኣገልግሎት ክፍቲ ንምግባር እቲ ባንኪ ድልዊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment