ውድድር ሰብ ክእለት ድምፂ ፋና ላምሮት ምዕራፍ 15 ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ድምፃውያን ፋና ላምሮት ምዕራፍ 15 ፅባሕ ክጅመር ኢዩ።

12 ተወዳደርቲ እቲ ምዕራፍ ካብ 1 ሺሕ ተወዳደርቲ ተነሓኒሖም ዝሓለፉ ኢዮም።

ፅባሕ ቀዳም ኣን ምድብ ሓደ ሽዱሽተ ተወዳደርቲ ባዕሎም ብዝመረፁዎም ዜማታት ምስ ኮከብ ባንድ ብቐጥታ ፈነወ ውድድሮም ክጅምሩ ኢዮም።

ኣብ ድሮ ሓዲስ ዓመት 12ቲኦም ተወዳደርቲ ምስ ተመልከትቲ ከምዝተፋለጡ ይዝዝከር።

ንትሽዓተ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ቅርፂታት ውድድር ብምውድዳር ንፍፃመ ዝበፅሑ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ካብ 1 ሚሊየን ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ሽልማት ንምውሳድ ክነሓንሑ ኢዮም።

ተመልከትቲ ፅባሕ ቀዳም ካብ ሰዓት 6 ጀሚሩ ኣብ ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ፋና እናተመልከቱ፤ ብሓፂር ፅሑፍ 8222 ኣብቲ ዕለት ብዝግለፅ ኮድ ተወዳደርቲ ብምልኣኽ ድምፂ ምሃብ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ብለምለም ዮሃንስ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment