ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ፅባሕ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ምዕራፍ 15 ፅባሕ ክካየድ ኢዩ።

ንዝሓለፉ 8 ሰሙናት ብዳያኑን ብናይ ባዕሎም መረፃን እናተወዳደሩ ዝነበሩ መቅደስ ዘውዱ፣ ሃይለየሱስ እሸቱ፣ ሄኖክ ብርሃኑን ኪሩቤል ጌታቸውን ፅባሕ ምስ ኮከብ ባንድ ብ3 ዙር ኣብ ዝገብሩዎ ውድድር ጥንኩር ንሕንሕ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ንተወዳደርቲ 1 ሚልየን ብር ሽልማት ዝተሰናደአ እንትኸውን÷ ብዝረኽቡዎ ደረጃ 400 ሺሕ፣ 300 ሺሕ፣ 200 ሺሕን 100 ሺሕን ብር ሽልማት ተሰናዲኦሎም።

ኣብ ናይ ፅባሕ ውድድር ፍፃመ ሓደ ድምፃዊ ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን ክርከብ ኢዩ።

ፅባሕ ዝካየድ ምዕራፍ 15 ውድድር ፍፃመ÷ ብኹሎም ማሕበራዊ ሚዲያ ኣማራፂታት ፋና፣ ፋና ቴሌቪዥንን ኩሎም ኤፍኤም ጣቢያታትን ብቐጥታ ፈነወ ብምክትታል 8222 ኣብቲ ዕለት ብዝግለፅ ናይ ድምፃውያን ኮድ ብምልኣኽ ምድጋፍ ይከኣል።

ብለምለም ዮሃንስ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment