ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምምላእ ክፍተት ተበፃሕነት መርብ ሓበሬታ ትኹረት ንኽግበር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምምላእ ክፍተት ተበፃሕነት መርብ ሓበሬታ ትኹረት ንኽግበር ኢትዮጵያ ሓቲታ።

መበል 18 ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ “ንእንደልዮ ርክብ መርበብ ሓበሬታ ኩሎም ሰባት ምብቃዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ጃፓን ኪዮቶ ተኻይዱ፡፡

እቲ መድረኽ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ እናዘተየ ፀኒሑ ከምዝተዛዘመ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ኣሊ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ዝማዕበላን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ሃገራት ልዑል ኣፈላላይ ተበፃሕነት መርበብ ሓበሬታ ከምዘሎ ገሊፀን።

ኣብቲ ጉባኤ÷ ክፍተት ተበፃሕነት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምምላእ ትኹረት ንኽግበር እውን ኣገንዚበን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment