ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ሓዱሽ ዓመት ህያብ ኢዩ – ኣይተ ኢሳያስ ጅራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ተዓዊታ ናብ ውድድር ፅዋዕ ቻን ምሕላፋ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ሓዱሽ ዓመት ህያብ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ገሊፆም።

ንሃገራዊት ሩዋንዳ ብምስዓር ኣብ ታሪኻ ንሳልሳይ ግዘ ናብ ውድድር ቻን ዝሓለፈት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ÷ ትማሊ ለይቲ ኣዲስ ኣበባ እንትትኣቱ ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን፣ ምክትል ፕሬዚዳንትን ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕን ኣቀባብላ ገይሮምላ፡፡

ኣይተ ኢሳይያስ ኣብቲ እዋን ኣቀባብላ፥ “ብምስዓርኩም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓቢዩ ህያብ ሓዱሽ ዓመት ኣበርኪትኩምሉ” ኢሎም።

ኣብ ኣልጄሪያ ኣብ ዝካየድ ውድድር ዝሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ካብ ብሕዚኡ ምድላው ምግባር ከምዘድሊ እቶም ፕሬዚዳንት ምግላፆም ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment