ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒን እወንታዊን ሰላም ንምርግጋፅ ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ።

ብሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም ዝተመርሐ ልኡኽ፥ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ግዝኣት ዩታሃ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓ ፋውንዴሽን ስተርሊንግ ኣብ ህንፀት ሰላም ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ኣካይዱ።

ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም፥ ኣብታ ገዝኣት ብመናእሰይን ዓበይቲ ዓዲን ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ወለንታዊያን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንምምፃእን ጠንካራ ገዝኣት ንምፍጣርን ኣስተዋፅኦ ይገበር ኣሎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ካብዚ ተግባር ከም ሃገር ከምእትምሃር እቶም ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

ፋውንዴሸን ስተርሊንግ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒን እወንታዊን ሰላም ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዘበርክት ዘሎ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment