ዘየቋርፅ ቀረብ መድሓኒት “ካንሰር” ንክህሉ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘየቋርፅ ቀረብ መድሓኒት “ካንሰር” ንክህሉ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ቀረብ እቲ መድሓኒት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘተ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ዶክተር ደረጄ ድጉማ፥ ካንሰርን ካንሰር ምልቆ ማህፀንን ዝበሉ ሕማማት ኣብ ዓውዲ ጥዕና ፅዕንቶ የብፅሑ ኣለዉ ኢሎም።

ምርመራ ቅድመ ካንሰር ምግባርን መከላኸሊ ክታበት ሕማም ምልቆ ካንሰር ተበፃሒ ምግባርን ካብቲ ሕማም ንምክልኻል ቀንዲ መፍትሒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሚኒስትር ዴኤታ ፍሬህይወት ኣበበ ብግደአን፥ ኣብ ክሊ ካንሰር ምስ 6 ዩንቨርስቲታት ብዝተረበረ ስምምዕነት ሕክምና ጨረር ናይ ምስፋሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐን ሀንፀትን ተኸላ ማሽንን ተዛዚሙ ብኽፋል ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወን ተዛሪበን።

ካንሰር ምልቆ ማህፀን ንምክልኻል ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ድማ ብብርኪ ሃገር መከላኸሊ ክታበት፣ ምርመራን ሕክምናን ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 400 ትካላት ጥዕና ይወሃብ ኣሎ ኢለን።

Comments (0)
Add Comment