ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ሓሳቡ ዝቕበል ስርዓት ስኢኑ ናብ ዱር ዝኣትወሉ እዋን ከብቕዕ ኣለዎ – ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ሓሳቡ ዝቕበል ስርዓት ስኢኑ ናብ ዱር ዝኣትወሉ እዋን ከብቕዕ ከምዘለዎ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም።

“ሃገር ውፅኢት ስራሕ ሓሳብ ኢያ፤ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ሕብሪ ፈጢሮም ዝሃንፁ ሃገር ብቁጠባዊ ሃፍቲ፣ ፖለቲካን ማሕበራዊን መሰረታ ጥንኩር ኢዩ” ኢሎም ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡፡

ጠበንጃ ካብ ዝተሓንገጡ ንላዕሊ ኣፈላላይ ተቐቢሎምን ኣስማዕሚዖምን ሃገር ዘቖሙ ዝሓሸ ለውጢ ኣምፂኦም ኢም፤ ዝተፈለየን ዝተፈላለየን ሓሳብ ምሓዝን ምንፅብራቕን ንባዕሉ ፀገም ኣይኮነን፤ ፀገም ዝኸውን ኣፈላላይ ሓሳብ ናብ ጎንፂ እንተምርሕን ዋጋ እንተኽፍልን ኢዩ፤ ኢትዮጵያ ንዘበናት ብዙሕ ዋጋ ከፊላ ኢያ” ኢሎም እቶም ኣማኻሪ፡፡

ጥንታውያን ኢትዮጵያውያን ፍትሒ ዝፈልጡ ጥራሕ ዘይኮኑ ንፍትሒ ክብሉ ንባዕሎም ዝገዝኡን ንካልኦት ሓሳብ ልዑል ቦታ ዝህቡን ከምዝነበሩ ተዛሪቦም፡፡

ኣበይ ከምዝተቛረፀ ኣይፈለጥ እምበር ኣብ ውሽጢ ናይ ቀረባ እዋን ፖለቲካ ኣፈላላይ ሓሳብ ኣብ ኣደባባይ ኣብ ክንዲ ምትዕራቕ ንጎንፂን ንኣፈላላይ ዝቐረበ ከምዝነበረ ተደጋጊሙ ተራኢዩ ኢዩ፤ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎም ዜጋታት ሓሳቦም ዝቕበልን ብግቡእ ዘተኣናግድንስርዓት ብምስኣኖም ጥራሕ ብዙሓት ናብ ዱር፣ ውሱናት ድማ ናብ ወኽኒቤት መብዛሕተተኦም ድማ ካብ ሃገር ተደፊኦም ኣብ ወፃኢ ንኸሕልፉ ተገዲዶም ምፅነሖም ኣብሪሆም፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ ናይ ለውጢ መንግስቲ ብሄራዊ ምኽክር ንኽግበር እናተሓተቱ ምፅነሖም ዝሓበሩ እቶም ኣማኻሪ፥ ከይዲን ምድላውን ዘድልዮ ስለዝነበረ ከሳብ ሕዚ ይፅናሕ እምበር ትካላዊ ኮይኑ ብብርኪ ኮሚሽን ምውዳቡ ብፅቡቕ ዝረአ ከምዝኾ ገሊፆም፡፡

ኣብ ብዙሓት ሃገራዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ምልከታታትን ርድኢትን ኣሎ ዝበሉ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፥ እቶም ጉዳያት ናብ ጠረጴዛ ብምፃእ ምምኽኻርን ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ምፍጣርን ኣድላዪ ከምዝኾ ኣገንዚቦም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment