ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጲያ ጥላሁን ከበደ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) (ኢ/ር)፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማዕከላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ  ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ፍቕሪ፣ ምፍታው፣ ንሰላምን ነፃነትን መስዋእቲ ምዃን ኣብነት ብምዃን ኣርእዩና ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ በዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፅኑዕ ፍቕሪ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዘርኣየሉ፣ ፍቕሪን ምሕረትን ንደቂ ሰባት ዝሃበሉ፣ መንደቕ ፅልእን ምፍልላይን ብምፍራስ ንደቂ ሰባት ዘድሓነሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር፥ ልቦናና ንምሕረት፣ ይቕሬታን ቅርቀ ሰላምን ብምኽፋትን ብዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ምኽኒያታት ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ወገናትና ብምሕጋዝን ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ኣንደበትናን ተግባርናን ኣብ ምንጋስ ሰላምን ምርግጋፅ ህንፀት ሃገርን ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

Comments (0)
Add Comment