ዩኒሴፍን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 3 ዓመታት ንዘጋጥም ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምክልኻል ዘኽእል ሽርክና ፈጢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ተራድኦ ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩኒሴፍ)ን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ብሓባር ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ንዘጋጥም ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምክልኻልን ንምቕራፍን ዘኽእል ጥምረት ከምዝፈጠሩ ተገሊፁ።

እቲ ጥምረት፥ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ኣዲታትን ህፃናትን ንምክልኻል፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ማእኸል ዝገበረ ምግብናን ኣግልጋሎት ጥዕናን ንምቕራብ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና፣ ኣምበጣን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ንዘጋጥም ቅልውላውን ድርቂን ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ሕፅረት ምግብን ጥዕናን እብ ዘለወን 100 ወረዳታትን 600 ኣብያተ ትምህርቲን ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 2 ነጥቢ 7 ሚሊየን ህፃናት ዝርከብዎም 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዝተቓልዑ እቶም ትካላት ኣብ ዘውፅእዎ መረዳእታ ሓቢሮም።

ክልቲኦምክ ትካላት ዕላዊ ዝገበርዎ መርሃ ግብሪ ድማ መንግስቲ ብምሕጋዝ እቶም ዜጋታት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንክረኽቡ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ካብ 10 ናብ 3 ሚኢታዊ ንምውራድ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

በቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ዓፋርን ሶማሌን ዘለዋ 100 ወረዳታት ተረባሕቲ ክኾና ኢየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment