ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ልዕሊ 4 ሺሕን 100 ተምሃሩኡ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 4 ሺሕን 100 ተምሃሩኡ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ንመበል 65 ዙር ዘመረቖም ተምሃሮ፥ ካብ ቀዳማይ ዲግሪ ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ ዝሰልጠኑ ኢዮም፡፡

52 ፕሮግራማት ትምህርቲ ዝተመረቑ 3 ሺሕን 430 ብቀዳማይ ዲግሪ፣ እቶም 385 ድማ ብ66 ፕሮግራማት ትምህርቲ ብድሕረ ምረቓን 21 ብዶክትሬት ዲግሪን ዝሰልጠኑ ኢዮም።

ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ኣብ ዝሓለፉ 65 ዓማውቲ ልዕሊ 110 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ ናብ ስራሕ ከምዘዋፈረ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።

ብተሾመ ሃይሉ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment