ዩኒቨርስቲ መቐለ ዓውደ መፅናዕቲ ሕውየት ትምህርቲ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዙርያ ሕውየት ዓውደ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝጥምት ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ መቐለ የሳልጥ ኣሎ።

ዕላማ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኵናት ኣብ ዓውደ ትምህርቲ እቲ ክልል የጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታትን ብቐፃልነት እቲ ዓውዲ ንምሕዋይ ዝሕግዙ ኣንፈታትን ዝድህስስ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓላፊ ካብኔ ሴክሪተርያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት፥ ኣብ ሕውየት ስርዓተ ትምህርቲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ብቆራፅነት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ምቅላልን ናብ ንቡር ንክምለስን ተሳትፎ ኩሉ ማሕበረሰብ ይጠልብ ኢሎም።

ምክትል ፕሬዝዳንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶክተር ዓብደልቃድር ከድር ብግደኦም፥ ኣብ ትግራይ ኩናት ዘብፀሖ በሰላ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብሰንኪ ኲናት ንድሕሪት ተመሊሱ ዘሎ ስርዓት ትምህርቲ  ከመይ ነውፅኦን ነበርኾን ኣብ ዝብል መሰረት ገይሩ ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል ኣንፈት ብምሕንፃፅ ምስራሕ ከምዘድሊ ምሕባሮም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment