ዩክሬን ኣባል ሃገር ንምዃን ዘቕረበቶ ሕቶ ንግዚኡ ብኔቶ ውድቂ ምግባሩ ንዜሌንስኪን ኣቖጢዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ጦር ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዩክሬን ኣባል ሃገር ንምዃን ዘቕረበቶ ሕቶ ንግዚኡ ተቐባልነት ከምዘይተረኸበ ተገሊፁ።

ኣመራርሓታት ኔቶ ዩክሬን ኣብቲ ወታደራዊ ጥምረት ንምፅምባር ዘቕረበቶ ሕቶ ኣብ ቀፃሊ ከምዝረአ ኣገንዚቡ፡፡

እቲ ኩነታ ንፕሬዚዳንት እታ ሃገር ቮሎድሚር ዜሌንስኪን ከምዘቖጠዐ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

31 ኣባል ሃገራት ኔቶ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲታት ኣብ ሊቱኒያ ከተማ ቪልኒየስ ጉባኤ እናካየዳ ይርከባ፡፡

መራሕቲ እተን ኣባል ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውፀኡዎ መግለፂ÷ ዩክሬን ናብቲ ትካል ናይ ምፅምባር ጉዳይ ዝተረጋገፀ ከምዝኾነ ብምሕባር ግዚኡ መዓዝ ከምዝኾነ ግን ኣይወሰኑን፡፡

ዩክሬን ኣብቲ ትካል ጦር ቃል ኪዳን ንኽትፅምበር ቅድመ ኩነታት ክማልኡ ከምዝግበኦምን ኣባል ሃገራት ክስማዕምዓ ከምዘለወንን እውን ኣመልኪቶም፡፡

ብምዃኑ ዩክሬን ኔቶ ዝሓቶ መርሃ ግብሪ ተግባር ኣባልነት ተቕርብ እምበር እዋኑ ገና ኢዩ ብምባል ኣብቲ ጉባኤ ውድቂ ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ቪልኒየሱ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ዝተረኸቡን ምስ ሩሲያ ኣብ ኲናት ዝርከቡን ፕሬዚዳንት ቮሎድሜር ዜሌንሲኪ እቲ ሓቂ ንምቕባል ከምዝኸበዶም ተገሊፁ፡፡

እቶ ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ትዊተር ከምዝሓሩዎ÷ “ሕቶ ኣባልነት ዩክሬን ምላሽ እዋን ገደብ እንተዘይተሰናዲኡሉ (ጉባኤ) ቅድሚ ሕዚ ተራኢዩ ዘይፈልጥን ዘይረብሕን ኢዩ” ክብሉ ፅሒፎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment