ዶክተር ሊያ ምስ ኣመራርሓታት ግሩፕ ኤች ቢኤም ግሩፕ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ኣመራርሓታት ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቂሊንጦ ዝሃንፅ ኩባኒያ ኣፍራዪ እታወት ሕክምና ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ግሩፕ ኤች ቢ ኤም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 1 ሚሊየን ሲሪንጋታት ዘፍሪ ኩባንያ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቂሊንጦ ንምህናፅ ከምዝወወሰነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ኩባንያ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ፍርያቱ ብምስፋሕ ጓንቲ ሓዊሱ ካልኦት እታወታት ሕክምና ብምፍራይ ንዕውሽጢ ሃገርን ቀጠናን ከምዘቕርብ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና ነቲ ኩባንያ ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዝገብር ዶክተር ሊያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፅሒፈን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment