ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ህንፀት ዓቕሚን ዘፈር ስራሕን ፓርቲ ብልፅግና ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝፀንሐ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ህንፀት ዓቕሚን ዘፈር ስራሕን ትሽዓተ ኣዋርሕ ፓርቲ ብልፅግና ተዛዚሙ።

ኣብቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካን ህንፀት ዓቕሚን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ዓመታት ዝመፅትሉ ስርሒት ፖለቲካ ዝተሓላለኸ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ዝመፅ ለውጢ ንዘይቕበሉ ብምቅላስ፣ ህብረ–ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ምጥንኻር ምስራሕን ህዝቢ ብእፎይታ ብዘይ ስግኣት ስሩዕ ስርሑ ንኽውግን ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

እቲ ስልጠና ኣብ ኣመራርሓን ኣባላትን ኣፈላላይ ኣመለኻኽታ ዝነበሮም ንኽእርሙ ከምዘኽአሎምን ኣመራርሓ ሕድሕዶም ንኽፋለጡን ዝገበረ ከምኡ እውን ዓቕሚ ፖለቲካ ብተግባር ንኸርኢ ዝሓገዘ ከምዝኾነ ሓሮም፡፡

ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ህዝባዊ መድረኻት ብምስንዳእ ጠቐሚ እታወታት ምእካብ ከምዝተኽኣለ ምግላፆም እውን ሓበሬታ እቲ ፓርቲ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment