ገደብ ሰዓት እቶ እቶ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምዘይምልከት እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ዘመሓላለፎ መምርሒ ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዝተነበረ ገደብ ሰዓት እቶ እቶ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምዘይምልከት ኣፍሊጡ።

ንኹሎም ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምዘይምልከት ተፈሊጡ፤ ኢንዱስትሪታት ካብ ወትሩ ዝተፈለየ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ ባዕሎም ስርዓት ሓለዋ ብምጥንኻር ስሩዕ ስረሖም ብዘተለመደ ኩነታት ንኽቕፅሉ ኣገንዚቡ።

ካብ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተመሓላለፈ መምርሒ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት ዘሎ ወፍሪ ምድሓን ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ይፍለጥ፡፡

ብምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ገደብ ሰዓት እቶ እቶ ዝተገበረ እንትኸውን፥ እቲ ገደብ ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት እቲ ገደብ ተግባራዊ ምግባር ልዑል ፅንቶ ኢኮኖሚ ስለዘሕድርን ኢንዱስትሪታት እውን ናብ ክሳራ ስለዘእትዎምን ዝተነበረ ገደብ ሰዓት ንኹሎም ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምዘይምልከት ተፈሊጡ፤ ኢንዱስትሪታት ካብ ወትሩ ዝተፈለየ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ ባዕሎም ስርዓት ሓለዋ ብምጥንኻር ስሩዕ ስረሖም ብዘተለመደ ኩነታት ንኽቕፅሉ ኣፍሊጡ፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment