ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣቦታት ሃይማኖት እቲ ጉባኤ “ቅድመ ኩነት ሰላም፣ ሰላም ጥራሕ ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታትን ሓዱሽ ዓመትን ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ዝተጀመረ ኲናት ደው ብምባል ከይዲ ዘተ ሰላም ንክቕፅል ሓቲቶም።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣቦታት ሃይማኖትን መራሕቲ ፖለቲካን፥ ህወሓት ናብ ሰላማዊ ዘተ ንክምለስ ብምምዓድን ምግሳፅን መንፈሳዊሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም።

ህወሓት ሰገናት ንወተሃደራዊ ወፍሪ ምስላፉ ኢ ሰባዊን ገበን ኲናትን ኢዩ ብምባል ኣውጊዞም።

ብመሳፍንት እያዩ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment