ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣፈፃሚ ጉዳይ ረብሓ ኢትዮጵያ ናይ ዘይደልዩ ባዕዳውያን ኢዩ – ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሄራዊ ሓድነትን ረብሓን ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ባዕዳውያን ዝወሃቦ ልኡኽ ዘፈፅም ከምዝኾነ ምሁራን ገሊፆም።
እቶም ሙሁራን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ማይ ኣባይ ተፈጥሮኣዊ መሰላ ከይትጥቀም ዝደልዩ ባዕዳውያን ሸሪኽ ህወሓት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
እቲ ጉጅለ ብሽም ህዝቢ ትግራይ እናቆመረ ነቲ ህዝቢ ናብ መከራ ከምዘሳጠሖ ዝሓበሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ተመራማሪ መፅናዕቲ ኣፍሪካ ንጋቱ ኣበበ፥ ህወሓ ሰላም ሓዲጉ ካብ ባዕዳውያን ብዝመፅአሉ ትእዛዝ ኲናት ከምዝጀመረ ተዛሪቦም፡፡
ሰብኣዊ ሓገዝ ንኲናት ብምውዓል ፀረ ህዝበነቱ ኣርኢዩ ኢዩ እውን ኢሎም።
አብ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ መምህር ፓለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ሴኒሳ ደምሴ ብግደኦም፥ ልኡኽቶ ህወሓት ኢትዮጵያ ምፍራስን ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕን ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtu
Comments (0)
Add Comment