ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈፀሙ ኣካላት ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ካፋል ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ጥፍኣተኛታት ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባርን ተጎዳእቲ መሊስካ ንምጥያሽን ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ስራሕ ጀሚሩ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ሎሚ መዓልቲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተገበረ ሓበራዊ መፅናዕቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከቱ ምኽረ ሓሳባት ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ዝተጠቓለለ ስትራቴጂን ናይ ተግባር መርሃ ግብሪን ብምፅዳቕ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ስርሑ ጀሚሩ።

እቲ ስትራቴጂን ናይ ተግባር መርሃ ግብሪን ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ዝተፈፀሙ ኩሎም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝሽፍን ከምዝኾነ ብምግላፅ፥መንግስቲ ካብ ዝወሰዶ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ንደሓር ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ እውን ክምልከት ኢዩ ኢሉ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ስርሑ ብውፅኢታውነት ንምስላጥ ከኽእሎ ምርመራ ገበንን ክሲን፣ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመዛበልቲን፣ ፆታዊ መጥቃዕቲን ምትእኽኻብ ሃፍቲን ኣመልኪቱ ስራሕቲ ዘተሓባብሩ ኣርባዕተ ኮሚቴታት ከምዘጣየሸ ገሊፁ።

እቶም ኮሚቴታት ብቅደም ሰዓብ ብሚኒስቴር ፍትሒ፣ ሚኒስቴር ሰላም፣ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ከምኡ እውን ብሚኒስቴር ገንዘብ ከምዝምራሕ ተገሊፁ።

እቲ ግብረ ሓይሊን ዝተጣየሹ ኮሚቴታትን መዓልታዊ ስራሕቶም ንምትሕብባር፣ ንምክትታልን ንምውዳድን ዘኽእል ባዕሉ ዝኸኣለ ቤት ፅሕፈት ንኽጣየሽ ወሲኑ።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment