ጨፌ ኦሮሚያ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጨፌ ኦሮሚያ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት መበል 13 ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሎሚ በዶ ኣብ ዝገበረኦ መኽፈቲ መደረ፥ ህወሓት ኣማራፂታት ሰላም ብምሕዳግ ንባዕሉ ዘጥፈአሉ ዘይኸውን መገዲ መሪፁ ኢዩ ኢለን፡፡

ድሕሪ ምስንባት እቲ ጉጅለ ጥፍኣት መንግስቲ ንህዝቢ ኣተሓባቢሩ ገፁ ናብ ልምዓት ኣዚሩ ከምዘሎ ገሊፀን፡፡

እተን ኣፈ ጉባኤ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ጨፌ ኦሮሚያ ብፅሒቱ ክዋፃእ ኢዩ ኢለን፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ስራሕ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመተ 2013 ክግምገም ኢዩ፡፡

ቁፅፅር ፅሬት ፍርያት ሕርሻ፣ ስታቲስቲክስ፣ ልምዓት ሃፍቲ መዓድንን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልል ንምምሕያሽ ዝተዳለዉ ረቀቕቲ ኣዋጃት መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ክሳብ ፅባሕ ኣብ ዝፀንሕ እቲ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ሽመታት እውን ሀፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment