ፈላማይ ማእኸል መገጣጠሚ ተሽከርከርቲ ኣይሱዙ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ ማእኸል መገጣጠሚ፣ መሸጢን ድህረመሸጣን ተሽከርከርቲ ኣይሱዙ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)÷ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ንኽፈርዩ ዓውዲ ሎጅስቲክስ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ተመረፅቲ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ እቲ ሚኒስቴር ኣፍረይቲ ውሽጢ ሃገር መበረታትዒ ከምዝገብር ተዛሪቦም፡፡

ስርሒት ጃፓን ኣይሱዙ ተሽከርከርቲ ማእኸል መገጣጠሚ፣ መሸጢን ድህረ መሸጣን ምኽፋቱ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ሃገራዊ ኢኮኖሚ ኣብ ምድጋፍን ልዑል ግደ ከምዝህለው ተገሊፁ፡፡

እቲ ማእኸል ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብናይ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ረብሑኡ ዕዙዝ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ድማ ፈፃሚ ስራሕ ውልቀ ኩባኒያ ካኪ ሞተርስ ኣይተ ገ/ሚካኤል ግርማይ ኢዮም፡፡

እቲ ካል ብሙሉእ ዓቕሙ እንትሰርሕ ኣብ ዓመት 2 ሺሕን 500 ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ከምዘፍሪ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment