ፈንድ ደገፍ ህፁፅ እዋን ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ደገፍ ንዝደሊዩ ዜጋታት 23 ሚሊየን ዶላር መዲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈንድ ደገፍ ህፁፅ እዋን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንሲኢአርኤፍ) ኣብ ኢትዮጵያ ደገፍ ንዝደሊዩ ዜጋታት 23 ሚሊየን ዶላር መዲቡ።

ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዘሎ ክፍተት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምላእ ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ዘቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ደገፍ ንምግባር ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ምስምዕምዖም ኣብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብምሰረት እዚ ፈንድ ደገፍ ህፁፅ እዋን ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ 8 ሚሊየን ዶላር፣ ብለበዳ ንዝተጠቕዑ 5 ሚሊየን ዶላር ከምኡወን ብድርቂ ንዝተጎድኡ 10 ሚሊየን ዶላር ብድምር 23 ሚሊየን ዶላር ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ክሪስቲያን ሪሊፍ ሰርቪስን ብግደኦም፥ ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝግበሩ ፃዕሪታት ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ቃል ኣቲዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment