ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪግ ምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዑደት ይገብሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ቢሾፍቱ ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪግ ምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዑደት ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብ ዑደቶም ድማ ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪንግ ሞተር ቬሂክልስ ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪግ ምክልኻል ዝተወገኑ ውፅኢታት ፈጠራ፣ ምርምርን ፍርያታትን ተመልኪቶም።

ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪግ ምክልኻል ከም ብሓዱሽ ድሕሪ ምውዳቡ ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ነባርን ሓደሽቲን ኢንዱስትሪታት ብመሓዝ ዝተፈላለዩ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ጦር መሳርሒታት ናይ ምፍራይን ምዝማንን ስራሕ ከምዝውግን ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ቀሊልን ማእኸላይን ተተኮስቲ መሳርሒታት ከምኡ እውን ክሳብ 122 ሚሊ ሜትር ዘለዉ ተተኮስቲ ሮኬታት ከምዘፍሪ ተገሊፁ።

እቲ ኮርፖሬሽን÷ BRDM-2፣ PTR -60 ሓፂ ለበስ ተሽከርከርቲ፣ T-55ን T-72 ታንታትን ናይ ምፅጋን፣ ምሕዳስን መመሓየሺ ምግባርን ዓቕሚ ዝሃነፀ እንትኸውን ካብዚ ብተወሳኺ ዓቕሚ ምትግባር ሰራዊት ምክልኻል ብልዑል ብርኪ ዘደንፍዑ ስራሕቲ ምርምርን ፈጠራን ይሰርሕ።

ኣብ ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪግ ምክልኻል ንክልተ መዓልቲ ዝተሰናደአ ዓውደ ምርኢት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምጅማሮም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment