ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠሞ ፀገም እታወት PPC ብምፍታሕ ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠሞ ፀገም እታወት PPC ብምፍታሕ ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠሞ ናይ እታወት ፀገም PPC ዝዓይነቱ ሲሚንቶ ምፍራይ ጠጠው ኣቢሉ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እንበር እቲ ዘጋጠመ ፀገም ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ንምፍታሕ ብመሰረት ዝተገበረ ፃዕሪ ፍታሕ ስለዝረኸበ PPC ሲሚንቶ ምፍራይ ምጅማርና ንገልፅ ኢሉ።

ዝነበርዎ ፀገማት ብምፍታሕ ናብ ፍርያት ክሳብ ዝኣቱ ብትዕግስቲ ንዝተፀበይዎ ዓማዊሉ አመስጊኑ።

Comments (0)
Add Comment