ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩትን ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂያዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም።

ኣብቲ ሰነድ ናይ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣድማሱ ዳምጠውን ናይ ኢትዮጵያ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩት ዋና ዳይሬክተር ወርቁ ጋቸናን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቶም ዋና ዳይሬክተር እቲ ስምምዕነት መናእሰይ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ፀገም ፈታሒ ስራሕቲ ንምስራሕ ብሚዲያ ንምሕጋዝ ዘኽእል ምዃኑ ተዛሪቦም።

ፋና ኣብ ሚዲያ ኢንዱስትሪ ዓብዪ ትካል ኢዩ ብምባል፥ እቲ ስምምዐነት እታ ኢንስቲትዩት ዘማዕበለቶ ቴክኖሎጂታት ተጠቒምካ ኣሰራርሑ ንከዘምን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ብግደኦም፥ ናይ ኢትዮጵያ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩት ንፋና ዝተፈላለዩ ሓገዛት እንትገብር ከምዝፀንሐ ብምሕባር አመስጊኖም።

ብመረዳእታ ዝማዕበለ ብቑዕ ዜጋ ንምፍጣርን ናይ ሚዲያ ትካል ዝሰርሖ ስራሕ ውፅኢታዊ ንምግባር ናይ ኢትዮጵያ አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ምስ ዝመስሉ ትካላት ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብሰሎሞን ይታየውን ሃይለማርያም ተገኝን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment