ፎረም ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኢትዮ-ፓኪስታን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኢትዮ-ፓኪስታን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ፎረም፥ ሚኒስትር ነግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ልዕሊ 80 ሰብ ሃፍቲ ፓክስታንን ተሳቲፎም።

ብተወሳኺ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ሃና ኣርአያስላሴ፣ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ለምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰን ካልኦት ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

እቲ ፎረም፥ ክልቲኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፣ ዝምድና ንግዲን ኢኮኖሚን ከጠናኽር ይኽእል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment