ፎረም ጉዳያት ፍልሰት ሚኒስትራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓምሻይ ዞባዊ ፎረም ጉዳያት ፍልሰት ሚኒስትራት ምብራቕ ኣፍሪካን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዓሰርተ ኣባል ሃገራት እቲ ቀጠና፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት፣ ትካል በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባ ዝረአ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ መጠን ፍልሰተኛታት ንምቁፅፃር ብፖሊሲ ዝተደገፈ ምኽረ ሓሳብ ንምቕማጥ ዘኽእል መድረኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ሰፊሕ ቁፅሪ ፍልሰተኛታት ዘለወንን መመሓላለፊ ዝኾና ሃገራት፤ ኣብቲ ዓውዲ ሜላታት ምሕደራ ዝምልከት ልውውጥ ልምዲ ብምግባር ብሓር ንምስራሕ ዘኽእሉ ኣንፈታት ከምዝቕመጡ ተገሊፁ።

ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ ዝዘልቕ መድረኽ ዘተ÷ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ተወከልቲ ሶማሊያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ታንዛኒያ፣ ብሩንዲ፣ ኤርትራን ጅቡቲን እናተሳተፉ ምዃኖም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment