ፑቲን ስልታዊ ልምምድ ጦር መሳርሒ ኒውክሌር ንኽግበር ትእዛዝ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ስልታዊ (ታክቲካዊ) ልምምድ ጦር መሳርሒ ኒውክሌር ንኽግበር ንጦር እታ ሃገር ትእዛዝ ከምዝሃቡ ተገሊፁ።

እቲ ልምምድ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሰብ መዚ ዝፍንዉዎ ንጎንፂ ዝጋብዝ መግለፂን መፈራርሒን ስዒቡ ዝካየድ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ከምዝሓበሮ÷ ብመሰረት እቲ ትእዛዝ ሩሲያ ታክቲካል ልምምድ ጦር መሳርሒ ኒውክሌር ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣብ ቀረባ እዋን ምፍታሽተሽ ክትጅምር ኢያ፡፡

ኣብቲ ልምምድ ሓይሊታት ወታደራዊ ዲስትሪክት ሚሳኤል ደቡብ፣ ወታደራዊ ኣውሮፕላናትን ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያን ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ዓቕሚ ጦር መሳርሒታት ኒውክሌር  ንምፍታሽን ኣብ ዝተመረፁ ቦታታ ንምውፋር ዝዓለመ ልምምድ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ፑቲን÷ ሩሲያ ግዝኣታዊ ሓድነታን ሉኣላዊነታን ንምሕላው ጦር እታ ሃገር ኣብ ተዳሎ ከምዝርከብ ምርግጋፆም ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment