ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ን10 ዓመታት ግብሪ ከምዘይከፈሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ን10 ዓመታት ግብሪ ከምዘይከፈሉ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2016 ክሳብ 2017 ንፕሬዚዳንትነት ኣብ ዝወዳደርሉ ከምኡ’ውን ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝኣተውሉ ፈላማይ ዓመት 750 ዶላር ጥራሕ ግብሪ ከምዝኸፈሉ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ገሊፁ።

ናይ ኣስታት 20 ዓመታት መዝገብ ግብሪ እቶም ፕሬዚዳንት ከምዝረኸበ ዝገለፀ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ፥ ትራምፕ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ግብሪ ከፊሎም ከምዘይፈልጡ ሓቢሩ።

ትራምፕ ግብሪ ንዘይምኽፋል በብዓመቱ ክሳራ ፀብፃባት ከምዝገብሩን ዝተፈላለዩ ናይ ምትላል ስልትታት ከምዝጥቀሙን እውን ተሓቢሩ።

እቶም ፕሬዚዳንት ብግደኦም፥ “ብሓቂ ግብሪ ከፊለ እየ። ኣብ ቀረባ ግዘ ግብሪ ዝኸፈልኩሉ ቅብሊት ምስ ረኣኹም ክተረጋግፁ ኢኹም። ኦዲት እዩ ዝኸውን ዘሎ” ኢሎም።

ስለዝኾነ ንፀብፃብ ኒውዮርክ ታይምስ “ስኑዕ ዜና” ብምባል ነፂገምዎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment