ፕሬዚዳንት ጆባይደን ንዩክሬን ክላስተር ቦምብ ንክወሃብ ዘሕለፍዎ ዉሳነ ተግባረታዊ ከምዝገብርዎ ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆባይደን ንዩክሬን ክላስተር ቦምብ ንክወሃብ ዘሕለፍዎ ዉሳነ ተግባረታዊ ከምዝገብርዎ ኣረጋጊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣዝዩ ከቢድ ዝበልዎ ውሳነ ንምዉሳን ንዉሕ ዝበለ እዋን ከምዝወሰዶምን፤ ብመንፅር ዩክሬን ዝገጠማ ሕፅረት ተተኳሲ ግና ተግባራዊ ከምዝገብርዎ ኣረጋጊፆም።

ፕሬዚዳንት ጆባይደን ምስ ሲ ኤን ኤን ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ኣብዚ ጉዳይ ምስ መሓዙት ሃገራት ከምዝተዛረዘረቡ ሓቢሮም።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ኣብ ዋይትሃውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሰብመዚ ቦምባታት ክላስተር ንሲቪላውያን ሓደጋ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግንዘቡ’ዮም ኢሎም።

“ነዚ ድማ ኢና ነዚ ኣፅዋር ናይ ምሃብ ውሳነና ኣናዊሕናዮ ዝፀናሕና” ክብሉ ገሊፆም።

ዩክረይን ዘለዋ ኣፅዋር ትውድእ ከምዘላ ዝሓበሩ ጄክ ሱሊቫን፥ “ኣብዚ ኲናት ኣብ ዝኾነ እዋን ዩክረይን ብዘይ ምክልኻል ክትኸውን ኣይንገድገፋን” ኢሎም።

ቦምባታት ክላስተር ኣብ ዓለም ከቢድ ምስሕሓብ ብምልዓል ይፍለጡ።

ቀልጢፉ ስለዘይፍንጀሩ ድማ፡ ንዓመታት ኣብ መሬት ፀኒሖም ኣብ ዘይተሓሰበ እዋን ብምፍንጃር ሂወት ሲቪላውይና ዝቐዝፍ ኣፅዋር ኢዩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ እዞም ሕዚ ናብ ዩክረይን ዝለኣኹ ቦምባታት ክላስተር ኣሜሪካ፥ ሩስያ ኣብቲ ኵናት ካብ ዝተጠቐመትሎም ቦምባታት ክላስተር ዝያዳ ውሕስነት ዘለዎም’ዮም ክብሉ ገሊፆም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment