ፖሊስ ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

ፖሊስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰላም ህራስ ዝኸልኦም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ስኑዕ ሓበሬታታት ብምውዛዕ ህዝቢ ስግኣት ንክሓድሮ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ።

እቶም ኣካላት ብተደጋጋሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላም ከምዘየለን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ስግኣት ከምዘሎን ንምምሳል ይሰርሑ ብምህላዎም፥ ነበርቲ እታ ከተማ ነዚ ብዘይምስማዕ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባር ሰላም ከባቢኦም ይሕልዉ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።

ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋቀሪ ሰላም ንምዝራግ ዝኸድሉ ርሕቐት ዘይሰመረሎም ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ስልቶም ብምቕያር ብማሕበራዊ ሚዲያ ስኑዕ ሓበሬታ ይውዝዑ ኣለዉ ኢሉ።

ናይዚ መርኣዪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ብሕቡእ ዝተወደበ ጉጅለ ከምዘሎ ብምምሳል ኣብ ከባቢ ሳር ቤት ኣብ ኣውቶብስ ቡምባ ምፍንጃሩ ዝገልፅ ስቡዕ ወረ ይውዝዑ ኣለዉ ክብል ገሊፁ።

ስለዝኾነ ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment