20 ሚሊየን መናእሰይ ስልጠና ንክረኽቡ ዝዓለመ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሸሞንተ ዓማውቲ 20 ሚሊየን መናእሰይ ስልጠና ንክረኽቡ ዝዓለመ ስምምዕነት ተኸቲሙ።

ብተወሳኺ ኣብቲ መርሃ ግብሪ 10 ሺሕ መናእሰይ ናይ ኣሰልጣኒ ስልጠና ክወሃቦም ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ መንጎ ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይንን ብሬክ ስሩ ትሬዲንግ ማሕበር ኣክስዮንን ዝተኸተመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚንስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ናብ ምዕባለ ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣተሓሳስባ መናእሰይ ብምምዕባል ተውልዲ ለውጢ ምቕራፅ የድሊ ኢለን።

ነዚ ድማ ተኸታታልነት ዘለዎ ለምዓት ስብእና፣ ለውጢ ኣተሓሳስባን ስነ ልቦናን ዘስዕብ ስልጠና ምሃብ ኣገዳሲ ኢዩ ኢለን።

እዚ ከይዲ ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ለውጢ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment