30 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ክፋላት እዛ ሃገር ይከፋፈል ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብናይ መንግስቲ ሸርፊ ወፃኢ ደገፍ ዝቐረበ 30 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ በልዒ ነሕብረተሰብ ይከፋፈል ከመዘሎ ናይ ንግዲን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ በዓል ልደትን ጥምቀትን ዝፍጠሩ ሰብ ስራሕ ናይ ኣቕርቦት ሕፅረትን ናይ ዋጋ ወሰኽን ንሕብረተሰብ ንምድሓን ትልሚ ቅድመ ምድላው ኣውፂኡ ብተዋረድ ምስ ዘሎ መዋቕርን መዳርግቲ ኣካላትን ብቅንጅት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምረትቲ፣ ኣቕረብቲን ካልኦት መዳርግቲን ገምጊሙ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብዚ ሐዚ እዋን 30 ሚሊየንን 340 ሺሕን 667 ሊትሮ ዘይቲ ናይ ትግራይ ክልል ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ክፋላት እዛ ሃገር ይከፋፈል ከምዘሎ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment