ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ዳይመንድ ሊግ ለንደን ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ዳይምንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ፡፡ ጉዳፍ ፀጋይ እቲ ርሕቐት ንምዝዛም 14 ደቒቕ 12 ሰከንድ ዝወሰደላ እንትኸውን÷ ንተናሓናሕታ ኣትሌት ሲፈን ሓሰንን ብያትሪስ ቺቤትን ብምቕዳም ኢያ ብዓወት ዛዚማ፡፡ ኣብቲ ርሕቐት ኬንያዊት ኣትሌት ብያትሪስ ቺቤት 2ይቲ ከምኡ እውን ትውልደ ኢትዮጵያዊትን ንኔዘርላንድስ ትጎዪ ኣትሌት ሲፈን ሓሰን 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚመን፡፡ #Ethiopia እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…
Read More...

ሳላዲን ሰዒድ ጫምኡ ሰቒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታታትን ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ንብዙሕ ዓማውቲ ኣገልግሎት ዝሃበ ሳላዲን ሰዒድ ጫምኡ ሰቒሉ። ሳላዲን ሰይድ ን15 ዓመታት ኣብ ብሄራዊ ጋንታን ዝተፈላለያ ጋንታታትን ምጭዋት ዝኸኣለ እንትኸውን ኣብ መበል 37 ዕድሚኢ ጫምኡ ከምዝሰቐለ ንሶከር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…

ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ስፖርት ማይ ዝሳተፉ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ምፍናው ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ስፖርት ማይ ዝሳተፉ ኣባላት ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ምፍናው ተገይሩሎም። ኣብ ጃፓን ፎካካ ኣብ ዝሳለጥ ሻምሪዮና ኢትዮጵያ ብሓደ ወዲ ተባዕታይን ጓል ተንስተይቲን ኣትሌታት ብ50 ሚትሮ ሓመሳ ክትካፈል ኣያ። እቲ ውድድር ካብ 14 ክሳብ 21 ሓምለ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ። ኣብቲ ሻምፒዮና…

ማንቼስተር ዩናይትድን ኢንተር ሚላንን ኣብ ጉዳይ ዝውውር ኦናና ኣብ ስምምዕ በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድን ካሜሩናዊ ሓላዊ ልዳት ኣንድሬ ኦናና ንምፍራም ኣብ ስምምዕ በፂሓ። እታ ጋንታ÷ 47 ነጥቢ 2 ሚሊየን ፓውንድ ናይ ዝውውር ገንዘብ ንምኽፋል ኢያ ምስ ጣሊያናዊት ጋንታ ኢንተር ሚላን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐት ተገሊፁ ዘሎ። ብቐጥታ 43 ነጥቢ 8 ሚሊየን ፓውንድ ንምኽፋል…

ሉሲታ ንቻድ መዘነኦም ኣብ መልሲ ፀወታ ስዒረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ንቻድ መዘነኣ ብመልሲ ፀወታ 4 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡ ኣብ ቀዳማይ መፃረዪ ፀወታ ኦሎምፒክ 2024 ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሾ እግሪ÷ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ቻድ ፀወታ ኣካይዳ 6 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምስዓራ ይፍለጥ፡፡ ሎሚ ኣብ…

መስኮት ዝውውር ተፃወትቲ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል 8 ሓምለ ክኽፈት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መስኮት ዝውውር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተፃወትቲ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል 8 ሓምለ ጀሚሩ ከምዝኽፈት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ መስኮት ዝውውር ካብ 8 ክሳብ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም ከምዝፀን ተገሊፁ፡፡ ሕጋውነት ዝውውር ተፃወትቲ ዝፀድቕ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ…

ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ምትእንጋድ ከምዝጅምር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ምትእንጋድ ከምዝጅምር ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ገሊፁ። ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ከይዲ ህንፀት እቲ ስታዲየም ርእዮም። እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ 2013 ዓ.ም ሕድሳቱ ዝጀመረ እቲ ስታዲየም ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀቱ ኣብ ቀረባ እዋቀን ከምዝዛም…