ዩትዩብ ምስ ቲክቶክ ዝወዳደር ሓዲሽ መተግበሪ ኣብ ህንዲ ክፍትን እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩትዩብ ምስ ቲክቶክ ዝመሳሰልን ዝወዳደርን ሓዲሽ መተግበሪ ሰሪሑ ኣብ ህንዲ ክፍትኖ ምዃኑ ገሊፁ።

ዩትዩብ ኣብዚ ሓዲሽ ዝዝርግሖ ዘሎ መተግበሪ ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ካብ 15 ካልኢት/ሰከንድታት ዘይበዝሕ ገይሩ ከምዘዳልውን ምስቲ ብቻይና ዝውነን ቲክቶክ ዝመሳሰል ከምዘለዎን ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሞንጎ ህንድን ቻይናን ኣብ ዶባትን ዘሎ ወጥሪ ምስ ወሰኸ ህንዲ ንቲክቶክን ካልኦት 58 ብቻይና ዝውነኑ መተግበሪታትን ኣብ ህንዲ ከይሰርሕ ከምዝኣገደቶ ዝዝከር እዩ።

ህንዲ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ዓማዊል ቲክቶክ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና ኣብ ህንዲ ልዕሊ 120 ሚልየን ተጠቀምቲ ቲክቶክ ነይሮም።

ዩትዩብ ነዚ ሃጓፍ ተጠቒሙ’ዩ ነቶም ዓማዊል ቲክቶክ ዝነበሩ በዚ ሓዲሽ ዝሰርሖ መተግበሪ ከስልሎም ወጢኑ ዘሎ።

እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ህንዲ ዝፈረያ ተመሳሰልቲ መተግብሪታት ስለዘለዋ ንዩቱዩን ዓቢ ብድሆ ክኾኖ ከምዝኽእል ይግለፅ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ዩትዩብ ክሪስ ጀፍ ኣብ ዝሃቦ መግልፂ፥ “ሓፂር ተንቀሳቃሲ ምስሊ ስኢሎም ክፅዕኑ ንዝደልዩ ስነጥበባውያንን ግዱሳትን ክኸውን ኢልና ኢና ኣዳሊናዩ። እቲ ስእሊ ድማ ቅልል ዝበለ እዩ ብሞባይልካ ገይርካ ትስእሎ” ኢሉ።

እቲ ሓዲሽ መተግበሪ፡ ዝተፈላለየ ቪድዩ ተለጋግበሉ፡ ነቲ ቪድዩ መቀልጠፍን መዝሓልን ዝኣመሰ ነቲ ቪድዩ ግርማ ዝህቡ ነገራት ተዳልየሙሉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ መተግበሪ ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ዝኽእል ዝተኸዘነ ሓፀርቲ ደርፍታት ከምዘለዎ’ውን ክሪስ ጀፍ ሓቢሩ።

እዚ ዩትዩብ ዝዝርግሖ ዘሎ ንቲክቶክ ክትክእ ትፅቢት ተነቢርሉ ዘሎ ሓዲሽ መተግበሪ ህንድን ኣሜሪካን ምስ ጸጥታ ዜጋታትን ኣተሓሒዘን ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ቲክቶክ ዘለወን ስክፍታ ድሕሪ ምግላፀን እዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment