ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሩዋንዳ ክተምርሕ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ (ዋሊያታት) ናይ ካፍ መልሲ ግጥም ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሩዋንዳ ክተምርሕ ኢያ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝቕፅል ሰንበት ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ናይ መልሲ ግጥማ ክተካይድ ኢያ፡፡
እታ ሃገራዊት ጋንታ ዓወት እንተቐኒዑዋ ኣብ ኣልጀሪያ ዝዳሎ ውድድር ቻን ምሕላፋ ከምተረጋግፅ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብ ቀዳማይ እግሪ መፃረዪ ፀወታ ኣብ ታንዛኒያ ዘካየደት ግጥም ክልቲአን ሃገራዊት ጋንታታት፥ ብዘይ ሽቶ ማዕረ ከምዝተፈላለያ ይዝከር።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com
Comments (0)
Add Comment