ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ግብፂ መዘናኣ ክትፃወት ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ግብፂ መዘናኣ ሎሚ ምሸት ክትፃወት ኢያ።

ኣቐዲማ ካብ ተሳትፎ ፅዋዕ ኣፍሪካ ወፃእ ምዃና ዘረጋገፀት እታ ሃገራዊት ጋንታ÷ መርሃ ግብሪ ንምምላእ ቅድሚ መዓልቲታት ናብ ካይሮ ምእታዋ ይዝከር፡፡

ግዚያዊ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዳንኤል ገብረማሪያም ቅድሚ እቲ ፀወታ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣባላት እታ ጋንታ አብ ሙሉእ ጥዕና ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

“ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ክንሓልፍ እንተዘይከኣልና እቲ ፀወታ ንቐፀልቲ ውድድራት መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለምን መፃረዪ ውድድራ ቻንን ባዕልና ንፍትሸሉ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሓደሽቲ ተፃወትቲ ዘለዎም ዓቕሚ ንኸርእዪ ዕድል ዝፈጥረሎም ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ፀወታ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ኣብ ካይሮ ስታዲየም ሓይሊ ኣየር ምሸት ሰዓት ሓደ ከምዝካየድ ካብ ላይ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment