ህወሓት ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ኩሎም ናይ ኣሜሪካ ተራድኦ ትካል መኽዝናት ምዝራፉ እቲ ድርጀት ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ኩሎም ናይ ኣሜሪካ ተራድኦ ትካል(ዩ ኤስ ኤ አይ ዲ)  መኽዝናት ምዝራፉ እቲ ድርጀት ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይቲ ትካል ሚሽን ዳይሬክተር ሾን ጆንስ ምስ ኢቲቪ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ህወሓት እቲ ኩነታት ብዘይኣግባብ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ንኣምን ኢሎም።

ካብ ተረዳእቲ ሓገዝ ብሓይሊ እናመንጠለ ከመዝኾነ ይስመዐና ዝበሉ ሾን ጆንስ፥ እርግጠኛታት ኮይንና ምንጋር እንኽእሎ ግን ናይቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣባላት ሸሊኾም ኣብ ዝኣተውሎም ከባቢታት ኩሎም ናይ እርዳታ መኽዝናት ዘሪፎም ኢዮም ኢሎም።

ሐዚ ብግልፂ እንፈልጦ ነገር ናይ ህውሓት ወታደራት ኣብ ዝኣተውሎም ናይ ኣምሓራ ክልል ኣከባቢታት ኩሎም ናይ ሓገዝ መኽዝናት ዘሪፎም ኢሎም።

መኪናታት ሰሪቖም በቢመንደሩ ብዙሕ ውድመት ኣብፂሖም ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ እዚ ንተረዳእቲ ይኹን ንኣና ንረዳእቲ ኣተሓሳሳቢ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment