ህዝቢ ኣብ ሰላም፣ ሓድነትን ልምዓትን ብምድሃብ ኢድን ንኢድ ተተሓሒዙ ክሰርሕ ኣለዎ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ኣብ ሰላም፣ ሓድነትን ልምዓትን ብምድሃብ ኢድን ንኢድ ተተሓሒዙ ክሰርሕ ኣለዎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ነቀምቴ ስታዲየም ወለጋ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝድግፍ ሰልፊ ”ወለጋ ናይ ሰላምን ብልፅግናን ምድሪ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ነበርቲ ኣርባዕቲአን ዞባታት ወለጋ ዝተሳተፉሉ ሰልፊ ተኻይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ህዝቢ ኣብ ሰላም፣ ሓድነትን ልምዓትን ንኸድህብ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሰላም መሰረት ኩሉ ነገር ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ”ሰብ ውሽጡ ሰላም ዝኾነ፣ ሃገሩ ሰላም እንድሕር ኮይኑ ልክዕ ክመዛ ሎሚመዓልቲ ብመንፈስ ፍቕሪን ሕውነትን ተራኺካ ምፍልላይ ይከኣል ኢዩ” ኢሎም።

ልዕሊ ኩሉ ንልምዓት፣ ዝተፈላለየ ሓሳብ ንምፍልፋል ሓድነት ኣዚዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ንትውልዲ ዝጎድእ ነገር ካብ ምግባር ብምቑጣብ ብምምኽኻር ሓድነት ምፅናዕ ይግባእ “ ኢሎም።

ብመንፅ ኢኮኖሚ ቅድሚ ለውጢ ብዙሕ ፀገም ኣንፀላሊዩ ከምዝነበረ ብምሕባር÷ ድሕሪ ለውጢ ግን ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ፀገም ዓብዪ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ እናተመዝገበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ለውጢ ዓመታት ብዝተሰርሐ ስራሕ ሕርሻን ከተማን ዝልውጥ፣ ሃገር ዘሳግር ኢኮኖሚ እናተመዝገበ ከምዝኾነ ገሊፆም።

”ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ዝዓግተና ሓይሊ ኣይህሉን፣ ብንፁህ ልብና ሃገር ንምልዋጥ ኢና እናሰራሕና ንርከብ” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፡፡

”ሎሚ እውን ከምትማሊ ብሙሉእ ልቢ ይዛረብ፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና፣ ሓድነታ እውን ክሕሎ ኢዩ፣ ኣብ ኣፍሪካ ትኽበር ሃገር ክትከውን ኢያ” ኢሎም።

”ልምዓትን ምዕባለን ዘቀላጥፍ ሰላም ንኽፀንዕ ምትጋህ ከምዝግባእ ንኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክገልፅ ይደሊ” ክብሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

”ንወለጋ ክንቅይራ ንደሊ ኢና፣ ትልምና ብዕላማ ፀላእቲ ኣይተዓናቐፍን ህዝብና ኣብ ጎንና ጠጠው ክብል ይግባእ” ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment