ልኡኽ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ መበል 45 ዓመት ክብረ በዓል መሪሕ ፓርቲ ጂቡቲ ይሳተፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክልት ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ መበል 45 ዓመት ክብረ በዓል መሪሕ ፓርቲ ጂቡቲ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብምውካል ነቲ መሪሕ ፓርቲን ንህዝቢ ጂቡቲን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኢትዮጵያን ጂቡቲን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ዝምድናታት ባህሊን ቋንቋን ዘለዎም ኣሕዋት ህዝብታት ዝሓዛ ብምዃነን፥ ብኢኮኖሚን ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ዝጠበቐ ርክብ ከምዘለወን ተዛሪቦም።

ፓርቲ ብልፅግና ምስ መሪሕ ፓርቲ ጂቡቲ ዘለዎ ሓድነትን ሕውነትን ንምቕፃል ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ብምግላፅ መደረኦም ምዝዛሞም ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment