ልዕሊ 30 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 30 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኣብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዋሽ ኣፍሊጡ።

መራሒ ጉጅለ ምክልኃል ኮንትሮባንድ እቲ ቤት ፅሕፈት ኢንስፔክተር ኣለሙ ይመር ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ዝትትሓዙ ትማሊ ምሸት ሰዓት ሓሙሽተ ኢዩ።

ዘይሕጋዊያን ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ካብ ዞባ ከሽነሌ ሙሉእ ወረዳ ኣጓዒዙ ናብ ማእኸል ሃገር ንምእታው ካብ ከተማ ቦርደዴ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጫካታት ብምሕባእ ምቹው እዋን እናተፀበዩ ከምዝነበሩ ተሓሩ፡፡

ሰራሕተኛታት ጉምሩኽ ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሖ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ውዳበታት ፀፅታ ብምዃን ንተኸታተልቲ መዓልቲታት ቀንዲ መተሓላለፊ መገዲ ኮንትሮባንድ ቆሪፁ ብምዕፃው ጥንኩር ልውውጥ ሓበሬታ ብምግባር እቶም ኣቕሑት ካብ ዝተሓብኡሉ ቦታ ከምዝተትሓዙ ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment