ሓበራዊ ኣኼባ ምምሕዳር ዶብ ኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ ጅግጅጋ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 26 ሓበራዊ ኣኼባ ምምሕዳር ዶብ ኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ሓበራዊ ኣኼባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ዕለት 5 ክሳብ 7 ለካቲት 2012 ዓ.ም ክፀንሕ ኢዩ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ይሳተፉ ከምዘለዉ እውን ተገሊፁ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ምምሕዳር ዶብ፣ ቁፅፅር ዘይሕጋዊ ንግዲን ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment