መበል 126 በዓል ዓድዋ ብመልክዕ ካርኒቫል ክኽበር ኢዩ- ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 126 በዓል ዓድዋ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብመልክዕ ካርኒቫል ኣብ ዋና ጎደናታት ክኽበር ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ማሕበር ሃርበኛታት ጀጋኑ ጥንታዊ ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ገሊፆም።

ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን÷ እቲ በዓል ብድምቀት ንምኽባር ዘኽእል ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይግበሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቲ በዓል ብኣግባቡ ዘየክበረ ክልል ይኹን ምምሕዳር ከተማ ብመንግስቲ ፌዴራል ክሕተት ኢዩ ኢሎም።

እቲ በዓል 23 ለካቲት 2014 ዓ.ም ከምዝኽበር ብምግላፅ፥ ኣብቲ ዕለት ሃርበኛታት ጀጋኑ ዝወክሉ ኣልባሳትን ገይፀመይፅን ዝገበሩ መናእሰይ ዝተፈላለዩ ትርኢታት ከርእዩ ኢዮም ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment