መበል 82 በዓል ፈረሰኛታት ኣገው ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 82 በዓል ምጥያሽ ፈረሰኛታት ኣገው ኣብ ከተማ እንጅባራ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል ርእሰ ምሐዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ፌዴራልን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

ማሕበር ፈረሰኛታት ኣገው ኣቦታት ኣገው ምስ ካልኦት ሓርበኛታት ብትሕብበር ንወራሪ ጣሊያን ኣብ ዓድዋ ዓወት ምጉንፃፎም ንምዝካር በቢዓመቱ 23 ጥሪ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣገው ዝኽበር በዓል ኢዩ፡፡

እቲ ማሕበር ኣብ 1932 ዓ.ም ካብ 30 ብዘይበልፁ ኣባላት ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 59 ሺሕ ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበር ከምዝኾነ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ኣዊ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment