በዓል ትንሳኤ ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2016 ዓ. ም(ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ትንሳኤ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ብዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ይኽበር ኣሎ።

ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኢትዮጵያ ለይቲ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ስነ ስርዓታት ተፈፂሙ።

ቀዳማዊ ፓትሪያሪክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ንሰላም ደቂ ሰባት ብምፅላይ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

በዓል ትንሳኤ መግለፂን መርኣያን ፍቕሪ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ ኢሎም።

ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ ብግደኦም፥ ኣብ ብርሃነ ትንሳኤ ኩላህና ንሃገርናን ህዝብናን ልኡኻት ሰላም ንኹን ክብሉ ገሊፆም።

ንክርስቲያን ልዑል ሚስጢርና ብስራት ትንሳኤ ኢዩ እውን ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment