ማሕለኻታት ዓውዲ ኮንስትራክሽን ንምፍታሕ መዳርግቲ ኣካላት ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕለኻታት ዓውዲ ኮንስትራክሽን ንምፍታሕ መዳርግቲ ኣካላት ተቐራሪቦም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት መሰረተ ልምዓት ከተማን ትራንስፖርትን እቲ ባይቶ፤ ማሕለኻታት፣ መውፅኢ መገዲታትን ግደ መውፃእቲ ሕጊን ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ብዝብል ርእሲ ፓናል ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

አብቲ ፓናል ዘተ ዘተረኸቡ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ÷ “መንግስቲ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ በጀት ካፒታል ዝፈሰሉ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዘጋጥሙዎ ማሕለኻታት ንምፍታሕ መዳርግቲ ኣካላት ተቐራሪቦምን ተዋዲዶምን ክሰርሑ ይግባእ” ኢሎም፡፡

መንግስቲ እቲ ዓውዲ ንምዝማን ልዑል ትኹረት ከመዝሃበ ብምሕባር÷ ፀገማት እቲ ዓውዲ ንምፍታሕ ተቐራሪብካ ምስራሕን መፍትሒ ሓሳብ ምፍልፋል ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።

ኣካቢት እቲ ቋሚ ኮሚቴ ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ÷ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዝረኣዩ ማሕለኻታት ምፍላይ፣ መውፅኢ መገዲታት ምትዕርራይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣንፈት ከምዝቕመጥ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment