ሰለስቲኣዊ ኣኼባ ግድብ ህዳሰ 4 መስከረም 2012 ዓ.ም ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣድሂበን ዘሳልጥኡ ኣኼባ 4 መስከረም 2012 ዓ.ም ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ማይ፣ መዓድንን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትራት ጉዳይ ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ትማሊ ኣኼባ ከምዘካየዱ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ኣኼባ ተዓዘብቲ እቲ ከይዲ ዝኾኑ ተወከልቲ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ከምኡ ውን ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተወከሉ ሰብ ሞያ ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰብ ሞያ እተን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ድርድር ዝምልከት ፀብፃብ ከምዝቐረበ ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝህሉ ከይዲ ብዝምልከት ከይዲ ድርድር እተን ሃገራት ዝገልፅ ደብዳበ ንኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሚኒስትር ዓለም ለኻዊ ርክብን ምትሕብባርንን ኣዶ መንበር ኣፈፃሚት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ  ዶክተር ናዴሊ ፓንዶል ንምልኣኽ ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment