ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለወቶ ዓውደ ርእይ ሓምለዋይ ኣሰር ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣20 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ኢሜሬትስ ሕቡራት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኢትዮጵያ ዘዳለወቶ ዓውደ ርእይ( ፓቪሊዮን) ሓምለዋይ ኣሰር ኣርእየሙዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም፥ “ሓወይ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኢትዮጵያ ንምክልኻል ክሌማዊ ለውጢ እትገብሮ ዘላ ጭቡጥ መፍትሒ ንምርኣይ ዘቕረበትሉ ዓውደ ርእይ( ፓቪሊዮን) ሓምለዋይ ኣሰር ዑደት ብምግባሮም አመስግን” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት  ኣብ ጉባኤ  ኮፕ28 ኣብ ዘሎ ዓውደ ርእይ( ፓቪሊዮን) ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ምፍላጥ ከምዘላ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ኢሜሬትስ ሕቡራት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያንን ቅድሚ ዕላዊ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ርእይ ኢዮም ኣብ ፓቪሊዮን ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment