ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤልጅየም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤልጅየም ኣሌክሳንደር ዴ ክሮ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ቅድሚ ጉባኤ ኮፕ 28 ምዝታዮም ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ውሽጢ ሃገርን ክልተኣዊ ምትሕብባርን ትኹረት ገይሮም።

ካብቲ ዘተ ሓሊፉ ኣብ መካነ ርዕይ/ፓቪሊዮን/ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ተራኺቦም፤ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ትገብሮ ፃዕሪን ዘለዋ ቆራፅነትን ዘርኢ ዓውደ ምርኢት ተዓዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment